መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ዕለተ ሰንበት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ንኣፍሪካ ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ባርሴሎና በዓልቲ ዋና ፈላማይ  መዳሊያ ወርቂ  ባለቤት ንዝኾነት ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ዕለተ ሰንበት ክካየድ ኢዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተውፃፀአ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኢዩ እዚ ተገሊፁ፥

ነቲ መግለፂ፥ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ገዛህኝ ኣበራ ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌዴሬሽን ኣይተ ቢልልኝ መቆያ ናይ ኦሮሚያ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኣይተ ነጋ ቱጁባን ኢዮም ሂቦም፡፡

ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ኮ/ር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ዘመዝገበቶ ውፅኢት፡-

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1992 ኣብ ባርሴሎና ኦሊምፒክ  ብ10,000 ሜትሮ ውድድር ወርቂ ሜዳልያ፣ ኣብ ኦሊምፒካት፣ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮናታት ዓለም፣ ኣብ ውድድር ዓለም ሃገር አቋራፂ፣ ኣብ ኮንቲኔንታል ካፕ፣ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፣ ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና፣ ዓለም ኣትሌቲክስ ፋይናል፣ ጎልደን ሊግ፣ ኢንተርናሽናል ማራቶንን ኢትዮጵያ ኣትሌቲክሰ ሻምፒዮናትን ብድምሩ ልዕሊ 13 ወርቂ፣ 2 ብሩር፣ 1 ነሓስን 3 ዲፕሎማታትን ንሃገራ ኣበርኪታ ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment