መርሃ ግብሪ “ኣዲስ ወግ” ‘ፈተና፣ ዓወት፣ ተስፋ’ ብዝብል ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ መወዳእታ ዓመተ 2014 መርሃ ግብሪ “ኣዲስ ወግ” ‘ፈተና፣ ዓወት፣ ተስፋ’ ብዝብል ርእሲ እቲ ዓመት ብምድህሳስ ይካየድ ኣሎ።

ኣማኻሪ ድሕንነት ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ለውጢ ትካላት ፀፅታ ሰላም ሃገር ንምኽባርን ሉኣላውነት ንምሕላውን፣ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ዘኽእል ቁመና ክሃንፁ ክኢሎም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ብግደኦም÷ ኣብ ብዙሕነት ሓሳብን ህንፀት ሃገርን ሓቢርካ ምስራሕ ዴሞክራሲያዊ ረብሑኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ምዃኑ ሃፍቲ ሃገር ብሓባር ንምልማዕ ከምዝሕግዝ ብምሕባር÷ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ እንትህሉ ፅሬት ሓሳብ ንምርካብ ከምዘኽልን መካተቲ ምግባር ከምዘድሊን ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ÷ ኣብ ሞንጎ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ማሕለኻታት ብምዃን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ከምዝነበረ ኣብሪሀን።

ካብ ሸርፊ ወፃኢ፣ ኣመላኸትቲ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ እቶት፣ ቀረብ ልቓሕን ኣመላልሳን፣ ብመንጥር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዝተመዝገበሉ ዓመት ከምዝኾነ ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ፣ ዲጂታል ኢኮኖሚ ጭቡጥ ምዕባለ ዝተርኣሎም ዓውዲታት ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment