መርሃ ግብሪ ኣከባብራ መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ዝተወሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣከባብራ ፅምብል መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት አመልኪቱ መግለፂ ተዋሂቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊን ደርባውን ወፅዓ ኣይቅበልን ኢሉ ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጡ ኣብ ጎኒ ውድቡ ህወሓት ተሰሊፉ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት “መስመርና ዓቲርና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብድምቀት ንምኽባር ሰፊሕ ምድላው ኣብ እንገብረሉ እዋን ንርከብ፡፡ መሪሕ ውድብናን መንግስትናን ቅድም ሕዚ ብዝወሰንዎ ውሳነ መሰረት ዕለት 11 ለካቲት በቢ ሓሙሽተ ዓመቱ ብፍሉይ ድምቀትን ህዝባዊ ምልዕዓልን ዝኽበረሉ ዓመት ብምዃኑ፤ እዚ ዕለት እዙይ ሕሉፍ ቃልስና ንዝክረሉ፣ ክሳብ ሕዚ ዝረኸብናዮም ዓወታት ንዕቅበሉን ልዕሊ ኹሉ ድማ ነዚ ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ስርዓት ቀፃልነትን ህልውናን ሓደጋ መኪትና ንዝላዓለ ዓወት ቃል እንኣትወሉ ዓመት ‘ዩ ክኸውን።

11 ለካቲት ቅድሚ ኣርባዓን ሓሙሽተን ዓመት ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምእማኑ ዘፀግም መስተንክር ዝተሰርሐሉ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈተውቲ ሰላምን ናፅነትን ዝኾኑ መላእ ህዝብታትን ሓይልታትን ኢትዮዽያ እንኮላይ ፀላእቲ ሓዊስካ ዝፈልጥዎ እዩ። በፃብዕቲ ብዝቑፀሩ እዚ ዝብሃል ኣፅዋር ብዘይነበሮም ግን ድማ ልዕል ህዝባዊ ፍቅርን ወነን ብዝሰነቑ ደቂ ህዝቢ ዝተጀመረ ቓልሲ ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት መሪር ቃልሲ ንክዕወት ዘኽእሉ ነቲ ሕዚ ዘለናሉ ኾነ ኣብ ቐፃሊ ንዝህልወና ቓልሲ ዓብይ ትርጉም ዘለዎም ምስጢራት ብኣግባቡ ምርዳእ ይግባእ።

ውድብና ህወሓት ንምእማኑ ዘፀግም መስተንክራዊ ዓወት ክፍፅም ካብ ዘክእልዎ ምስጢራት እቲ ሓደ ካብ ቁኑዕ ዕላማ ዝብገስ ፅሩይ ወያናይ ዴሞክራሲ መስመር ሒዙ ክመርሕን ክቃለስን ብምኽኣሉ እዩ፡፡ ካብዚ ተበጊሱ በቢጊዚኡ ካብ ዝገጠምዎ ፈተናታት ዕንቅፋትን ተመኩሮ እንዳወሰደን ካብ ጌግኡ እናተምሃረን ዝግስግስ ዘሎ ውድብ ምዃኑ እቲ ካሊእ ምሽጢር ዓወት ‘ዩ። ልዕሊ ኹሉ መግለፂ ምስጢር ዓወትና ብመሪሕነት ውድብ ህወሓት ኣብ ዙርያ እቲ ቁኑዕ መስመርን ዕላማን ዓሲሉ ኩለመንኡ ዋጋ ከፊሉ ዝተቓለሰን ተኣምር ዝሰርሐን ዘሎን ህዝቢ ትግራይ እንትኾን፤ እዚ ኣብ ጉዕዞ ቓልስና ደመቐትን ኣንፀባረቕትን ዓወታት ኣብ በቢምዕራፉ ንኽነመዝግብ ውሳኒ ብፅሒት ኣለዎ፡፡ ምስጢር ዓወትና ሎሚ ‘ውን ከም ቀደሙ እዚ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ቀደም ‘ውን እንተኾነ ንሃገር ክገብጡ ንዝመፅኡ ኩሎም ዓይነታት ፀላእቲ ብፅንዓትን ብጅግንነትን እናመከቱ ናፅነት ሃገሩ ኣብ ምሕላው ልዑል ተራ ዝነበሮ ህዝቢ ‘ዩ። ኣንፃር ድሕረትን ፋሽሽታዊ ስርዓትን ኣብ ዝተገበረ ቓልሲ ‘ውን እንተኾነ ምስ ካልኦት ኢትዮዽያውያን ተቓሊሱ ንሃገር ዝጠቅም ተመኩሮን መስመርን ዘበርከቱ ሕልፍን ከቢድን መስዋእቲ ከፊሉ እንተብቅዕ ሕሉፍ ይግበአኒ ዘይበለ ወረጃ ህዝቢ ‘ዩ። ንመሰሉን ረብሑኡን ንምርግጋፅ ጥራሕ እንተይኮነስ ከምኡ ዝበሉ ውፅዓት ህዝብታት ሓራ ክወፁ ዓብይ ተራ ዝተፃወተ ህዝብን ቃልስን ‘ውን እዩ። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ህዝቢ ኤርትራ ንናፅነቱ ኣብ ዝገበሮ መሪር ቃልሲ ‘ውን ዝካኣሎም ኩሉ ብምግባር ታረኦም ዘበርከቱን ኣብ ታሪኽ ልዑል ቦታ ዘለዎ ተራ ዝተፃወቱን እዮም።

ሎሚ ብፍሉይ ኣብ ነብዕሎ በዓል 11 ለካቲት ‘ውን ነዚ ደሚቕ ታሪኽ ዘኪርናን ሕዚ ዝገጥመና ዘሎ ፈተናታት በዲህናን ሰላም፣ ልምዓትን ህልውና ህዝብና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ነብፀሐሉ ክኸውን ይግባእ።
መበል 45 ልደት ህወሓት ብድምቀት ኣብዚ ዓመት ኣብ ነኽብረሉ እዋን በቲ ሓደ ገፅ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ጉዕዘና ዘመዝገብናዮም ዓወታት ንምዕቃብን ንምስፋሕን ርብርብ ኣብ ንገብረሉ መድረኽ ኮይንና፣ ብካሊእ ገፅ ድማ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብቲ ጀሚራቶ ዝነበረት ፈታውን ፀላእን ዝመስከረሉ ለውጥን ምዕባለን ንድሕሪት ኣብ ዝተመለሰሉ፣ ኣብ ልዕሊ ህላወ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዝተዋደደ ዘመተን መጥቃዕትን ኣብ ዝግበረሉ ኩነታት ኮይና ኢና ክነኽብሮ።
ካብዚ ብምብጋስ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ በቲ ልሙድ ፅንዓትናን ናይ ዕላማ ሓድነትናን ንምቅላስ ደጊምና ቃል እናኣትወሉ ‘ዩ ክኸውን። እቲ ኣብ ልዕሌና ኣንፀላልዩ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ብዋናነት ብናይ ባዕልና ውሽጣዊ ጥንካረ ንምክቶ ኮይኑ ብሃገር ደረጃ ‘ውን እንተኾነ ምስቶም ኣብ ብመስዋእትና ዝተረጋገፁ ህብረ-ብሄራዊ፣ ፌደራላዊ ስርዓትናን ሕገ-መንግስናን ዘኣምኑን ኩሎም ብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ነዚ ዝድግፉ ሓይልታትን ሕብረት ብምፍጣር ንረባረበሉ ‘ዩ ክኸውን። ሐዚ ‘ውን ከም ወትሩ ምስ ህዝብና ማይን ፀባን ኮይናን ኣብ ዙርያ መስመር ረቢብና ዘይንድይቦ ጎቦ፣ ዘይንሰግሮ ሩባ ከምዘየለ ደጊምና ነመስከረሉ ዓመት ‘ዩ ክኸውን።
መበል 45 ዓመት ምኽባር ብረታዊ ተጋድሎ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት እንትነብዕል ሕዚ ‘ውን ከምቲ ፀላእትና ዝብልዎ ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ ዝተጠቐመ ዘይኮነስ ሕልፊ ዋጋ ከፊሉ ንህዝብታት ኢትዮዽያ በዓል ዓብይ ሞሳ ዝኾነ ህዝቢ ምዃኑ ፈታውን ፀላእን ዝግንዘበሉ ዕለት ክኸውን እዩ፡፡ ኣብ ክልልና፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ዝነብር ህዝብና በቲ ፀላእቲ ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ፀለመ ከይተሰኮነ፣ ኣብ ዙርያ ቅኑዕን ህዝባውን መስመርን ረቢቡን ምስ ካልኦት ንፍትሕን ንሓቅን ጠጠው ዝበለ ሓይልታት ሓቢሩ ኣንፃር ኩሎም ድሕረታት ክቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ‘ዙይ ህወሓት ይፅውዕ።
መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ኣብ ነኽብረሉ ዓመት ኩሎም ዓቕምታትና ንምርግጋፅ ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ከምኡ እውን ንመኸተ ኣዋዲድና ንሰርሐሉ፣ ሕሉፍ ታሪኽናን ሕዚ ዘለናሉ መድረኽን ብዝግባእ ተረዲእና ኣብ ህልውና ህዝብና ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ መኪትና ውሕስነት ሰላምናን ህልውናን እነረጋግፀሉ ክኸውን ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረና ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ንሐድሰሉ፣ ኣብ መንጎና ኣፈላላይ ንምፍጣር ሃቂኖም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ብሓባር ነፍሽለሉን ንምክተሉን ዓመት ክኸውን ይግባእ።
መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ንገብሮ ምንቅስቓስ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ቃልስናን አእጃሙ ዝዋፀአሉ በዓል ንክኸውን ምድላዋትና ክንውግንን እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፍሉይን ድሙቕን በዓል ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ኣብ ዙርያ መስመር ዓሲሉ ተወሳኺ ኣንፀብራቒ ዓወት ንምምዝጋብ ኣይንምብርከኽን፣ ንድሕሪት ተመሊስና ናብ ወፅዓን ባርነትን ፍፁም ኣይንኣቱን፣ መፃኢ ባህግና ከም ወትሩ በሓበራዊ ቃልስና ክኹላዕ እዩ ኢልና ኣብ ዙርያ መስመርና ዓሲልና ዳግም ታሪኽ ንምስራሕ ልዑል ርብርብ ክግበር ዓብይ ኮሚቴ ኣከባብራ ፅምብል መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ይፅውዕ።

ዘላኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስዋኣትና!!!
መስመርና ዓቲርና ንመኸተ!!!
ዓብዪ ኮሚቴ በዓል 11 ለካቲት
ታሕሳስ 2012 ዓ.ም
#TPLF

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment