መርሃ ግብሪ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!”  ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)“ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ዝብል መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ሰላም፥ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፋሪያት ካሚልን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፋሪያት ካሚል፥ ከብርን ናእዳን ንዝግበኦ ኣርማናን ከብርና ንዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከብሮምን ፍቕሮምን ንዝገለፁ ቤተሰብ ሰላም ካብ ልቢ አመስጊነን።

ሰራዊትና ህዝቢ ብምእማን ዝባኑ እንተይኮነስ ግንባሩ መእንተ ሃገሩን ህዝቡን ብምሃብ ዝተሰለፈ ሓይሊ ኢዩሞ ካብ ክብሪ፣ ምስጋናን ፍቕሪን ወፃእ ካሊእ ኣይግበኦም ነይሩ ኢለን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃእ ኣብ ዝተሳለተ ስነስርዓት፥ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ብምስታፍ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎም ክብሪን ደገፍን ገሊፆም።

ኣብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት እውን፥ መርሃ ግብሪ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ሚኒስትር ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ሓዊሱ ሚኒስትር ዴኤታታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ።

ብተመሳሳሊ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛን ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን፣ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር  ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ሚኒስቴር ግብርናን ኢንስቲትዩት ምርምርን ሕርሻን፣ ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ሚኒስቴር ማእድንን ነዳድን ፌዴሪኢ፣ ኤጀንሲ ኢንፎርሜሽንን መረብ ድሕንነትን፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቢኣብያተ ዕዮኦም ብምዃን “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ነቲ ሰራዊት ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም።

ሰዓት 5:30  ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት፥ ኩሉ ሰብ ንሓደ ደቒቓ የማናይ ኢዱ ኣብ ፀጋማይ ልቡ ብምግባር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎ ክብሪ ኣርእዩ ኢዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ “ንመስዋእትኹም ክብሪ ሂብና ኢና፣ ወንኹምን ጀግንነትኩምን ኣኹሪዑና፣ ነመስግን፣ ዘንትእለት ኣብ ጎንኹም ኣለና” ዝብል መልእኽቲ ተመሓላሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment