መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ደቂ ኣንስትዮ “ሓምለዋይ ኣሰረይ ከንብር ኢየ፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ከረጋግፅ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ባንጃ ተኻይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብኣተሓባባራይነት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግና ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ካብ ኩለን ክልላት ዝተውፃፅኡ ደቂ ኣንስትዮ ዘካተተ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ዘፈር ፓርቲታት ፖቲካን ሲቪል ማሕበራትን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ኣለሙ ስሜ ሓዊሱ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኣምሓራ ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ፣ ካልኦት ኣመራርሓታት ፌዴራል፣ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም።

ሓላፊ መምርሒ ሕርሻ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ የትዋለ ጌታነህ፥ እቲ ምምሕዳር ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ 105 ፈልሲታት ከምዝትከሉ ምግላፆም ካብ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment