መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ 315 ኢንተርፕራይዛት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ደቀቕቲን ኣንኣሽተይን ተወዲቦም ናብ ማእኸለዎት ሰብ ሃፍቲ ዝተሰጋገሩ ኢንተርፕራይዛት መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ሰብ መዚ እቲ ምምሕዳር ከተማን ፌዴራልን ተረኺቦም።

ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ኢንተርፕርይዛት ንማእኸለዎት ኢንዱስትሪ ዝተቐመጠ ሃፍቲ ዘፍረዩ፣ ተተካኢን ናብ ወፃኢ ዝለኣኹን ፍርያታት ብስፍሓትን ፅሬትን ከፍርዩ ዝኸኣሉ፣ ኣድማሳዊ ዕዳገኦም ዘስፍሑን ፍርያታውነቶም ዘደንፍዑን ምጥቃም ዝጀመሩን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት እቲ መለክዒ ዘማልኡን ብስረሖም ዕዉታት ዝኾኑን 315 ኢንተርፕራይዛት ናብ ዝዓበዩ ማእኸለዎት ኢንዱስትሪ ከምዝተሰጋገሩ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም።

እቶም ዝተሰጋገሪ ኢንተርፕራይዛት ካብ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሰርተፊኬት ኣፍልጦ ተቐቢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment