መርሃ ግብሪ መጠናኸሪ ስርዓተ ምግቢ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እናሓገዘ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተተግበረ ዝርከብ መርሃ ግብሪ መጠናኸሪ ስርዓተ ምግቢ ብብርኪ ስድራ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ እናሓገዘ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ባንኪ ዓለምን ኣብ መበዛሕትኡ ክፋላት እዛ ሃገር እናተተግበረ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ መርሃ-ግብሪን ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ዘድሀበ ሃገር ለኸ ጉባኤ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ሕርሻ ከተማ በቀለ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ እቲ መርሃ-ግብሪ ብብርኪ ስድራ ውሕስና ምግቢን ምዕባለን ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ተግባራትን እይሕግዝ ኣሎ።

ሃገር በቆል ፖሊሲ ኢኮኖሚ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ምስ ዝተሰናደአ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ሕርሻ ተጠዓዒሙ ዝካየድ ብምዃኑ መፍረያይነት ንምርግጋፅ እናሓገዘ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment