መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ሃረሪን ዞባ ወላይታን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ኣብ ክልል ሃረሪን ዞባ ወላይታን ተሳሊጡ።

ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተሳለጠ ድሙቕ መርሃ ግብሪ፥ ላዕለዎት መራሕቲ ስራሕ እቲ ክልል፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባገዳታት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንሰቲዮን ተሳቲፎም።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ምዃኖም ስዒቡ ኣብ ዞባ ወላይታ፣ ከተማ ዶዶ ሰለማዊ ሰልፊ መግለፂ ታሕጓስ ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰልፊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ዝተፈላላዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረኺቦም ኢዮም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ዳጋቶ ኩቤ፥ እቲ ሽልማት ኢትዮጵያ በዓልቲ ቤት ሰናይ ምግባር ምዃና ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment