መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣማሲዩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተሳቲፎም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሃገርና ኣብ መድረኽ ዓለም ክብራ ክብ ክብልን ዜጋታታ ኩርዓት ከስምዖምን ዝገበረ ኢዩ ኢለን።

ብተወሳኺ ንሃገራት ቀጠናን ሰላም ንዝደሊ ኩሉ ማሕበረሰብን ምልዕዓለን ጥንካረን ዝፈጠረ ኢዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ለውጢ ኢያ ዘላ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ፀገማት ኣብ ምቕራፍ ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪበን።

ብሓሳብ ምፍልላይ ምፅላእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተፈጠሩ ኣፈላላያት ኣብ ጠረጴዛ ዙሪያ ብዘተን ምይይጥን ክፍትሑ ከምዝግባእ ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብግደኦም፥ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተረኪቦም ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ንዝገበረሎም ኩሉ አመስጊኖም።

ብተወሳኺ እቲ ሽልማት ዕላዊ ንክኸውን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ህዝቢ ኤርትራን ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዜጋታት ብሓድነት፣ ፍቕሪን ምድግጋፍን ክሰርሑ ከምዝግባእ ድማ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝማዕበለት ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ዘሎ ሃፍቲ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ብምውዓል መገዲ ምዕባለ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment