መርሃ ግብሪ መጀመሪ ካልኣይ ምዕራፍ መኣዲ ንሃገር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ካልኣይ ምዕራፍ መኣዲ ንሃገር ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተረኸባሉ ተኻይዱ።

መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ካልኣይ ምዕራፍ መኣዲ ንሃገር÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ክሳብ ሕዚ ተበፃሒ ንዘይኮኑ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ንምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ÷ “ብሓባር ብምስራሕን ብምትጋህን ዝጀመረርናዮም ፕሮጀክታ ዛዚምና ንዝቕፅል ወለዶ ክነቕፅል ኢና” ኢለን።

“መኣዲ ንሃገር ብዝተሓባበረ ኢድና ንሃንፆ ፕሮጀክት ኢዩ” ምባለን ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሰብሃፍቲን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝተረኸቡ እንትኾኑ÷ 1 ቢሊየን ብር ንምትእኽኻብ ተሓሲቡ 1 ነጥ 2 ቢሊየን ብር ቃል ከምዝተኣተወ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment