መርሃ ግብሪ መጀመሪ ብሄራዊ ዘተ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ብሄራዊ ዘተ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ስርዓት ሽግግር ፍትሒ ምትግባር ንሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ልዕልነት ሕጊን ምርግጋፅ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት ናይ ሓባር ክብሪታት ዝሓዘት ሃገር ብምዃና ኣፈላላያት በምርድዳእ ምፍታሕ እትኽእል ሃገር ኢያ ኢሎም።

ሓድነት ዝፈታተኑ ብዙሓት ጎንፂታትን ተረኻትን ኣብ ኢትዮጵያ ተኣናጊዶም ኢዮም ኢሎም።

እዚ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ሽግግር ፍትሒ ብምንጋስ ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ምዝራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment