ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ብሄራዊ ስታራቴጂ ዲጂታል ክፍሊት ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ኣባላት ኣመራርሓ ብሄራዊ ባንኪ፣ ፈንድ ልምዓት ካፒታል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ዳይሬክተር ስርዓት ክፍሊትን ሴትልመንትን ብሄራዊ ባንኪ ወይዘሮ ማርታ ሃይለማርያም፥ ኣገልግሎት ዲጂታል ክፍሊት ካብ ውልቀሰብ ጀሚሩ ክሳብ መንግስቲ ዘለዉ ዘፈር ፋይናንስ ዝፀወቱዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ዲጂታል ክፍሊት ኣብ ምፍላም ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ዳይሬክተር፥ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክፍሊት ብቐሊሉ፣ ብትሑት ወፃኢን ግዘን ብዘተኣማምን መልክዑ ንምፍፃም ከምዝሕግዝ ኣገንዚበን።
ዕግበት ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ፋይናንስ ኣብ ምውሳኽን ተወዳዳራይነት እቲ ዓውዲ ኣብ ምድንፋዕን ንምዕባለ ሃገር ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።