መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት ፉሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣዲስ ቱሞሮ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት ፉሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣዲስ ቱሞሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

ኣብ 35 ሄክታር መሬት ምስ ኩባኒያ ቻይና “ሲሲሲሲ” ብምትሕብባር ዝህነፅ እቲ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣብ ውሽጢ ከተማ ሓዱሽ ከተማ ክንዲ ምህናፅ ዝኣክል ግዙፍ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

እቲ ኢኮኖሚ ዞባ ኣብ ውሽጡ ዓበይቲ ሞላት፣ መንበሪ ኣፓርትመንታት፣ ቢሮታት፣ ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ከምኡ እውን ሰፋሕቲ መዘናግዒታትን ማያዊ ኣካላትን ከምኡ እውን ማእኸላት መዘውተሪ ስፖርት ዘካተተ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ንምስሊ እታ ከተማ ሓዱሽ ገፅ ዘላብስ፣ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነታ ዘድንፍዕ፣ ተወሳኺ ፍልፍል ፅባቐ ዝኸውን፣ ንነበርቲ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ንግዲ ዘቀላጥፍን ዓብዪ ዓለም ለኸ ማዕኸል ዕድጊት ዝኸውን ዞባ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment