ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ፃውዒት ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ሕውነት ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ገብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር እድሪስ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።
ብተወሳኺ እቲ ፃውዒት ብምቕባል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ጥቕላል መርሃ ገብሪታት ንዲያስፖራታት ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ።
ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር እድሪስ፥ ኣብ ዝኸድናዮ ብዛዕባ ሰላም ክንሰብኽ ይግባእ ኢሎም።
ብተወሳኺ ብምትሕብባር ንምዕባለን ሓድነትን ሃገር ምሕሳብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ብዘቢብ ተኽላይ
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።