መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ስታርትኣፕ ኣዋርድስ ኢትዮጵያ ይካድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ስታርትኣፕ ኣዋርድስ ኢትዮጵያ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓዊሱ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ዋና ፈፃ ስራሕ ዓለም ለኸ ስታርትአፕ ኣዋርድስ ኪም ባልን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ስታርትኣፕን ተረኺቦም።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ዓለም ለኸ ስታርትኣፕ ኣዋርድስ ብምትሕብባር ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ እንትኸውን÷ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን እውን ተሓባባሪ ኣሰናዳኢ ኢዩ።

ስታርትኣፕ ኣዋርድስ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንክልተ መዓልቲ ዝጸንሕ እንትኀውን፤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተፈላለዩ ስታርትኣፓት ተወዳዲሮም ንዝተዓወቱ ሽልማት ከምዝወሃብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment