መርሃ ግብሪ መተግበሪ ኽትትል ዝንባለ ዲጂታል ድርቅን ኣገልግሎት ትንበያን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መተግበሪ ኽትትል ዝንባለ ዲጂታል ድርቅን ኣገልግሎት ትንበያን ይካየድ ኣሎ።

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ መጠን ኣመፃፅኣ ዝናብ፤ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ፃንሒትን ፈነወን ዝህልዎ ፅዕንቶ ንምንካይ ዝኽእል ምርምራት እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።

ብመንፅር እዚ ኩነታት ኣየር ንሓረስታይ ዝኸውን ሓበሬታ ተበፃሒ ንምግባርን ፍርያትን ፍርያታውነትን ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ሓዱሽ ዘመናዊ መሳርሒ ኽትትል ድርቅን ትንበያን ተሃኒፁ።

እቲ ቴክኖሎጂ ንዘፈር ኤክስቴንሽን ሕርሻ ኣገልግሎት ዝህብ ዋላ’ዃ እንተኾነ÷ ንምንካይ ሓደጋ ተፈጥሮን ንትካላት መረጋገፂ ውሕስና ምግቢን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህብ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብመንፅር እዚ ድማ ስርዓት ትንበያን ኽትትል ድርቅን ብዝምልከት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተመራመርቲ እቲ ዘፈርን ሰብሞያ ሕርሻን ኣብ ዝተረኸብሉ ምኽክር እናተኻየደሉ ከምዝርከብን ስነ-ስርዓት ኣገልግሎት ምረቓ እውን ከምዝካየድን ተሓቢሩ።

እቲ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ድርቅን ምስ ሕርሻ ተተሓሒዙ ፀገማት ኽትትልን ትንበያን መፍትሒ ክህብ ከምዝኽእል ተስፋ ኣለዎ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment