ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መብሰሪን መጀመሪ ስራሕን ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ሆቴል ኤሊያና ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ፣ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዳኒኤል ክብረት ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣመራርሓ ሚዲያ፣ ሰራሕተኛታት፡ ተሓባበርቲ ኣሰናዳእቲ፣ መሻርኽቲ እቲ ሚዲያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ዋልታ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬትን ተዋሂዶም ዝመስረትዎ ግዙፍ ትካል ሚዲያ ኢዩ።
ብፌቨን ቢሻው