መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ትሮፒካል ደኒ ኦስሎ ናእዳ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኖርዌይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ሮፒካል ደኒ ኦስሎ ይሳተፍ ኣሎ፡፡

እቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሃገራት እቲ ከባቢ ሓዊሱ ተኻፈልቲ ዝኾናሉ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፤ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ውፅኢት፣ ምንካይ ጨፍጫፍ ደኒን ምዕባይ ሽፋን ደኒን ኣብቲ ጉባኤ ተላዒሉ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓምለዋይ ኣሰርን ዝዓረቑ መሬታትን ዳግም ንምግራብን ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዛዕባ ዘፅደቖ ኣዋጅ ፍሉይ ፈንድን ምሰዚ ተተሓሒዙ ዝለዓለ ቆራፅነት መንግስትቲ ኣቲ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ኣብሪሁ፡፡

ኢትዮጵያ መፍረያይነት ሕርሻ ብምዕባይን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘላቕነት ክሕሎን ኣብ ረብሓ ክውዕልን ኣብ ምግባር ዝሰርሐቶም ዓበይቲ ስራሕቲ ኣብቲ ጉባኤ ብፀቡቕ ተሞክሮ ቀሪቦም ናእዳ ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ፡፡

እቲ ልኡኽ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ትካላት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተዛተየ ካብቲ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment