ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ህዝቢ ሓድነቱ ብተግባር ዘርአየሉ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን ምስ ነበርቲ ብምዃን ከም ሃገር መርሃ ግብሪ ምትካል 500 ሚሊየን ፈልሲታት ተሳቲፎም፡፡
ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ብዕቱብ ብምውፃእ ኣሰሩ እናንበረ ከምዝኾነ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም፡፡
ዝተተኸሉ ፈልሲታ ንኽፀድቁ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ብግደአን÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ምዃኑ ኣብሪሀን።
ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ክጠናኸር ኣብ ምግባር ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎም ምግላፀን ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክለልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com