መራኸብቲ ሓፋሽ ግዕዝይና ኣብ ምቅላስን ኣብ ህንፀት በስነ ምግባርን ግደኦም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ግዕዝይና ኣብ ምቅላስን ኣብ ህንፀት በስነ ምግባርን ግደኦም ንኽዋፅኡ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ፀዊዑ።

እቲ ኮሚሽን “ስነ-ምግባር ኣብ ምህናፅን ግዕዝይና ኣብ ምቅላስን መራኸብቲ ሓፋሽ ዘለዎም ግደ” ብዝብል ርእሲ ናይ ሓደ መዓልቲ መድረኽ ኣብ ኣዳማ ኣዳሊዩ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ፀጋ ኣራጌ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፥ ዝግበር ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ኣብ ህዝቢ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንኽኸውን መራኸብቲ ሓፋሽ ቀዳማይ ዛዕባ ገይሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፀዊዖም።

ብፍላይ ዓቕሚ ማሕበራዊ ሚዲያ እናዓበየ ስለዝመፅአ ኣብዚ እዋን ስነባህሪ ህዝቢ ናብ ህንፀት ስነ-ምግባር ብምቕናዕ ኣብ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ዘለዎ ግደ ብግቡእ ንኽዋፃእ ሓቲቶም።

ኣብቲ መድረኽ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ኢትዮጵያ ብመንፅር ዓለም ለኸ ተሞክሮን ግደ መራኸብቲ ሓፋሽን ዘተኮሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ ክግበረሎም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment