መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ብስፍሓት ንኽሰርሑ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ጋህዲ ክኸውን ኣብ ምግባር ከይዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ብስፍሓት ንኽሰርሑ ተሓቲቱ፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ(ፕ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንሕብረተሰ ብዛዕባ ከይዲ እቲ ምኽክር ሓበሬታታት ተበፃሒ ክገብሩ ይግባእ።

ብዙሓት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብቲ ምኽክር ክሳብ ሕዚ ዘለዉ ከይዲታትን ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ልዕሊ እዚ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ንዝገጠሙዋ ጠገማት ብምኽክር መፍትሒ ንምንዳይ እቲ ምኽክር ናይ ኩሎም መራኸብቲ ሓፋሽ ዛዕባ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ንፋናብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment