መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽር ትኽክለኛ ፀብፃብ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽር ትኽክለኛን ሚዛናዊን ፀብፃብ ክሰርሑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም።

“ሚዲያ ንብሄራዊ ተረኽን ህንፀት ሃገርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰለስተ መዓልቲ ስልጠና ተዋሂቡ።

ኣብቲ ስልጠና ዝላ ተረኽ ምስ ታሪኻዊ ስብራት ናብ ሃገራዊ ምልኣት፤ ዝላ ምስ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ናብ ብልፅግናን ፐሎቲካዊ ዝላ ካብ ዴሞክራሲያዊ መሰል ናብ ሃገራዊ ሓላፊነት ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ሰነዳት ስልጠና ቀሪቦም ዘተ ተገይሩሎም፡፡

ፖለቲካዊ ዝላ ካብ ዴሞክራሲ መሰል ናብ ሃገራዊ ሓላፍነት ብዝብል ርእሲ ሰነድ ዘቕረቡ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)÷ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ መሰረት ዘንብሩ ብዙሓት ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ንህዝቢ ተረባሒ ዝገበሩ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ሃገራዊ ስራሕቲ ሪፎርም ዕዉት ንምግባር መራኸብቲ ሓፋሽ ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ምግንዛቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment