መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ሊቢያ ኣብዱላህ ኣል-ላፊ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ብተመሳሳሊ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን።

ተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ፥ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣቀባብላ ገይሮምለን።

መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ቀጠና ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ቀዳምን ሰንበትን ከምዝካየድ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment