መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዲፕሎማሲ ምስግጋራ ዘርእይ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዲፕሎማሲ ምስግጋራ ዘርእይ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን  ሚኒስትር ንግዲን ሃንጋሪ ፒተር ሲያርቶ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዘቲዮም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ምስ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ክልቲኣዊ ርክባት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም እቲ ዘተ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ነይሩ ኢሎም።

ኣብ 1956 ዓ.ም ዝተጀመረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምምዕባል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ከምኡውን ኣብ ዞባዊን ኩለ መዳይ ምትሕብባርን ዝጠመተ ዘተ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ እቲ ብዙሕ እዋን ዘቑፀረ ከልቲኣዊ ርክብ በዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ምግላፆም ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ትግበራ ብዝምልከት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጭቡጥን ኩለመዳይን ደገፍ ንክገብር ፃውዒት ምቕራቦም ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment