መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን ዝፈረሙዎ ሰለስተኣዊ ሰነድ ስምምዕነት ንምፍፃም ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን ቅድሚ ሕዚ ዝፈረሙዎ ሰለስተኣዊ ሰነድ ስምምዕነት ንምፍፃም ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂን ሞሓመድን ትማሊ ኣብ ኣስመራ ተዛትዮም።

ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃራት ዝተገበረ ዘተ፥ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም ዝተፈራረሙዎ ሰለስተኣዊ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ዘለወም ድሉውነት ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ኣብ 2012 ዓ.ምን ቀፀልቲ እዋናትን ስግኣታት ተግባር ግብረ ራዕዲ ብሓባር ንምቁፅፃር፣ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት፣ ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ መሳርሒታትን መዓወንቲ ሓሽሽን ንምቁፅፃር ዝኸውን ናይ ተግባር ትልሚ ኣውፂኦም ኢዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን ዘለዉወን ሃፍቲታት ተፈጥሮን ጉልበት ሓይሊ ሰብን ኣብ ረብሓ ብምውዓል፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምትግባር ተስማዕሚዖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ትማሊ ምሸት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኢዮም።

ዑደቶም ዛዚሞም እንትምለሱ ድማ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቦም ሰኒዮምዎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment