ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገበሩዎ ዘተ ፀገማት ብምይይጥ ብምፍታሕ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣማኻሪ ብጄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚነሲትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎና ጎድኒ መበል 39 ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ኢጋድ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱል ፈታ ኣልቡርሃን ኣብ ናይሮቢ ከመዝተዛተዩ ይፍለጥ፡፡
እቶም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
ዘተ እቶም መራሕቲ ዝተኸታተሉ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፥ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ምሕዝነት ምጥንኻር ክዝግባእ እቶም መራሕቲ ከምዝተስማዕምዑ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጉዳይ ዶብ ፍልፍል ጎንፂ ክኸውን ኢዩ ኢላ ከምዘይትኣምን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምርግጋፆም ኣመልኪቶም።
ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ሕዚ እውን ኣብ ጥንኩር ምትእስሳር ብሓባር ዝነብሩ ከምዝኾኑ ብምፅራሕ፤ ብመንፅር እዚ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ንምልማዕ ክሰርሓ እምበር ናብ ጎንፂ ክኣትዉ ከምዘይግባእ እቶም መራሕቲ ትኹረት ገይሮም ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።
ምስ ዶብ ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ፀገማት ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ዓለም ለኸ ትካላት ብዘሳተፈ መልክዑ ብምፍታሕ ምትእምማን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ምግላፆ እውን ኣብሪሆም፡፡
ነዚ ስራሕ ዘሳልጥ ኮሚቴ ክጣየሽ ከምዝግባእ እቶም መራሕቲ ምዝርራቦም ኣምባሳደር ሬድዋን ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ግድብ ህዳ ብዝምልከት ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተትሓዙ ፃዕሪታት ተጠናኺም ኣብ ዝቕፅሉሉ ጉዳይ ክልቲኦም መራሕቲ ምይይጥ ከምዝገበሩ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ሬድዋን፥ እቲ ግድብ ፍልፍል ልምዓትን ምትእስሳርን እቲ ዞባ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚነሲትር ኣቢይ መብርሂ ምሃቦም ተዛሪቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com