መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓ ንቁጠባ እቲ ዞባ ንምሕዋይ ዝውዕል 859 ቢልየን ዶላር ኣፅዲቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ንዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምሕዋይ ዝውዕል 859 ቢልየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቖም።

ብመሰረት እዚ ነተን 27 ሃገራት ዝጥርንፍ መድረኽ ዝርርብ ዝመርሑ ዝነበሩ ቻርለስ ሚኪል፥ እቲ ባጀት ንኣውሮፓ ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ገሊፀምዎ።

እቲ ዝርርብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ነተን ብቫይረስኮሮና ዝያዳ ተሃሲየን ዘለዋ ሃገራት ዝኸውን 390 ቢልየን ዩሮ ደገፍ ክግበር ከምዝተሰማምዑ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊፁ።

ብምቑጣብ ዝፍለጣ ሃገራት ስዊድን፣ ዴንማርክ፣ ኣውስትርያ፣ ኔዘርላንድ ከምኡ’ውን ፊንላንድ ነተን ብቫይረስኮሮና ዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት 500 ቢልየን ዩሮ ሓገዝ ምግባር ንዝብል ከምዝተቓወምኡ ተገሊፁ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ ዝምራሕ ዝነበረ ጉጅለ ድማ፥ እቲ ዝወሃብ ገንዘብ ልዕሊ 375 ቢልየን ዩሮ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣብቲ ኣኼባ ኣስሚሮምሉ ነይሮም።

ከም በዓል ስፔይንን ጣሊያንን ግን ትሕቲ 400 ቢልየን ዩሮ ከምዘይቕበላ ብወግዒ ኣፍሊጠን ነይረን።

ኣብ መወዳእታ እተን ቖጣባት ሃገራት ስዒረን እቲ ዝወሃብ ሓገዝ 390 ቢልየን ዩሮ ክኸውን ከምዝተስማዕምዑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኤማንኑል ማክሮን፥ ነቲ ዕለት “ታሪኻዊ መዓልቲ” ክብሉ ገሊፀሙዎ ኣለዉ።

ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣውሮፓ ብግደኦም፥ “መራሕቲ ንመፃኢ ኣውሮፓ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣርእዮም” ክብሉ ነቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ምንኣዶም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment