መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ኣብ ዓለም ለከ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብርቱካን አያኖ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ጀርመን፣ ሰብ ሃፍቲን መራሕቲ ትካላትን እውን ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ምግላፆም ይዝከር።

ብመራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ክሳብ ቀፃሊ ዕለተ ቀዳም ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያን ኬኒያን ዑደት ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ሾልዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምርኻብ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብበርናባስ ተስፋዬ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment