መሪሕ ፓርቲ ዴሞክራሲ ንክዕምብብን ሃገራዊ ምርድዳእ ንክቕፅልን ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ እናተዛተየ ምስርሕ ክቕፅለሉ ኢዩ – ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ብምትሕሓዝ ዝሃቦ እዋን እፎይታ ፈተና ንምሕላፍ ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ከም ሃገር ዴሞክራሲ ምልምማድ ንኽንክእል ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወስድ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ቫይረስ ኮሮናን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ብምትሕሓዝ ዝሃቦ እዋን እፎይታን ብዝምልከት መገለፂ ሂቦም።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ዘስዕቦ ጉድኣት እናወሰኸ ምምፅኡ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ሕማም ንኹሉ ዘጥቅዕ ብምዃኑ ብሓባርን ብኸለመዳይን ምክልኻል ይግባእ ኢሎም።

እቲ ሕማም ኣብ እዋን ክራማት ልዑል ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ነዚ ንምክልኻል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ብምኽኒያት እቲ ሕማም ምድላው ሻድሻይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ውሳነ ምርካቡ ገሊፆም።

ምርጫ በቢሓሙሽተ ዓመቱ ክካየድ ከምዘለዎ ሕገ መንግስቲ ይድንግግ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሕገ መንግስታዊ ኣካይዳ ተኸቲሉ ዝቐረበሉ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ብምርኣይ ምላሽ ሂቡ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዉ ኣብያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ስግኣት እቲ ለበዳ ብምቕራፍ ምርጫ ክሳብ ዝሳለጥ ንክቕፅሉን እቲ ምርጫ ካብ 9 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ እዋን ንክካየድ ወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ዴሞክራሲ ሃገርና ባዕሉ ንባዕሉ እናተመሓየሸ ንክኸይድ እቲ ከይዲ መርኣያ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ኣጋጣሚ ኣብዚ እዋን ዘጋጠመ ፈተና ካብ ምሕላፍ ብተወሳኺ ከም ሃገር ዴሞክራሲ እናተለማመድና ንኽንከይድ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወስድ ኢዩ ኢሎም።

ዝኾነ ይኹን ነገር ንሃገር ከምዝግበር ብምሕባር፥ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝሃቦ ውሳነ ንፓርቲታት ፖለቲካ ዘይኮነስ ንህዝቢ ድሕንነት ክበሃል ዝተወሰነ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

እቲ ምርጫ ንምፍፃም ክበሃሉ ብምኽኒያት ዝግበሩ ኩነታት ንዝፍጠር ሓደጋ ንምቕናስ ተሓሲቡ ከምዝተናውሐ ኣረዲኦም።

መሪሕ ፓርቲ ዴሞክራሲ ንክዕምብብን ሃገራዊ ምርድዳእ ንክቕፅልን ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ እናተዛተየ ምስርሕ ክቕፅለሉ ኢዩ እውን ኢሎም።

ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ እኳ እንተሃለወና ንሃገር ክንብል ብዝሰኸነ፣ ብዝሰልጠነን ፅባሕ ኣርሒቕካ ብምርኣይን ብዝብል ብሱል ስምዒት ዘተን ልዝብን ምግባርና ኣይነቋርፅን ክብሉ ድማ ገሊፆም።

ብፍላይ መፃኢ ዕድል እዛ ሃገር ኣብ ዝውስኑ ቀንዲ ቀንዲ ኣጀንዳታት ናይ ሓባር ምርድዳእ እናገበርና ነገራት ክስተኻኸሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምድጋፍ፣ ሓደሽቲ ዕድላት ልምዓት ምጥቃም፣ ፍሪያት ግብርና ክውስኽ ምግባር፣ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍሪያታት ንምቕናስ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ዘለዉ ኢንዱስትሪታት ዓቕሞም ክዓቢ ምግባርን ኣማራፂታት ፍልፍላት ፋይናንስ ምድላይን ናይ ሕድ ሕድና ዕዮ ገዛ ምዃኑ ብምሕሳብ ብስትራቴጂ ግደና ምውፃእ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም።

እዚ ጉዳይ ከም ሃገር፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምንባር ተባሂሉ ዝፍፀም ሃገራዊ ስራሕ ምዃኑ ኩሎም ሓይሊታት ፖለቲካ ክሰርሕዎ ዝግባእን ካብ ፈተና ዘውፅእ መገዲ ምዃኑን ኩልና ክንግንዘብ ይግበአና ኢሎም።

መፃኢ ሃገራዊ ምርጫ ነፃ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ሰላማዊን ተኣማኒነት ንክህልዎ ንምግባርን ብሓባር እኹል ምድላው ኣናገበርና ክንፀንሕ ኣለና እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment