መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢትዮጵያ ክትበፅሖ ዝሃቀነቶ ራእይ ንምዕዋት ዘኽእል ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢትዮጵያ ክትበፅሖ ዝሃቀነቶ ራእይ ንምዕዋት ዘኽእል ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራትን ማህበረሰብ ዲፕሎማሰኛታትን፤ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣመልኪቱ ኣብ ኣዳራሽ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ምፍላጥ ይግበር ኣሎ።

ኣብ መድረኽ ምፍላጥ እቲ ትልሚ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበረኦ መደረ ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ትልሚ እንትዳሎ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈን ንኹሉ ዝሓቖፈን ከምዝነበረ ኢዩ።

ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንዲፒ) ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጋራት ልምዓት ተሳትፎ ምግባሮም እውን ኣብሪሀን።

እቲ ትልሚ ተፈፃሚ ንምግባር ኣማራፂታት ፍልፍል ፋይናንስ ብመንግስቲ ተፈሊዮም ምቕማጦም ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ተፈፃሚነት እቲ ትልሚ ናይ ባዕሎም ብፅሒት ንኽዋፅኡ ኣገንዚበን።

ከይዲ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝከታተል ስርዓት ምዝርግሑ ዝሓበራ እንትኾና፥ ኣብ ምድላው እቲ ትልሚ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት እውን ኣመስጊነን።

ኮሚሽነር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ብግደአን፥ እቲ ትልሚ እኹል ግዘ ተወሲዱ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ዝተዳለወ ናይ ህዝቢ ትልሚ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment