መሪሕ ሓሳብ መበል 19 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መሪሕ ሓሳብ መበል 19 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣተሓባባሪ ኮሚቴ እቲ በዓል ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ እቲ በዓል ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፥ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንምኽባር፣ ብዙህነት ንክጠናኸር፣ ሓድነትን ሕውነትን ሱር ንክሰድድን ጥዕና ዘለዎ ፌዴራላዊ ሰርዓት ንክህነፅን ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment