ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሰነ፣ 2013 ፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ምድላው ከምዝተበረ ኣብ ክልል ኣምሓራ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ሸዋ ገሊፁ።
ኣብቲ ዞባ፥ ኣብ 13 ክልላት መረፃ 1 ሺሕን 128 ጣቢያታት መረፃ ኢዩ መረፃ ክካየድ፡፡
ተወካሊ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ብዙነህ ኣጎናፍር፥ ኣባላት ፖሊስ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘምን ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ብማዕረ ንምግልጋል ከምዝተዳለዉ ገሊፆም፡፡
ኣብ ኩለን ጣቢያታት መረፃ ሓይሊታት ፀፅታ ከምዝተዋፈሩ ዝገለፁ ኮማንደር ብዙነህ፥ ኣብ መዓልቲ መረፃ ፀገም እንትፍጠር ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ዝኽእል ኦፕሬሽንን ምርመራን ከምዝተዋደደ ኣብሪሆም፡፡
ኣብቲ መዓልቲ መረፃ ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ናይ መንግስቲ ተሸከርከርቲ ከይጥቀም እተን ተሸከርከርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዝኣተዋ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፥ ልዕሊ 664 ሺሕ መረፅቲ ን6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ 6 ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ድማ ናብ ውድድር ቀሪቦም፡፡
ብኣላዩ ገረመው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።