መመሓያሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሓለዋ ብገንዘብ ንምድጋፍ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምፍጣሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓያሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሓለዋ ብገንዘብ ንምድጋፍ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምፍጣሩ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም ገሊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም መመሓየሺ ፖሊሲ ማሕበራዊ ሓለዋ፣ ቀፃሊ ብዛዕባ ክግበሩ ዝግበኦ ኮንፈረነስ ማሕበራዊ ሓለዋን ፕሮግራማት ከተማን ሴፍቲኔት ገፀርን ብምውዳድ ምድጋፍ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲዮም።

ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ባንኪ ዓለም ኣብ ስራሕቲ ማሕበራዊ ሓለዋ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ንኢዶም።

ተረባሕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ብምውዳድ ኣብ ምስራሕ ክፍተታት ከምዘለዉ ገሊፆም።

እቲ ሚኒስቴር መስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ከይዲ ምዝገባ ማሕበራዊ ሓለዋ ክሳብ ምምሕያሽ ፖሊሲ ዝተሰላለዩ ስራሕቲ የካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ነዚ አውን ባንኪ ዓለም ዝገብሮ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፁ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment