መመሓየሺ ፕሮግራም ቋንቋ እንግሊዘኛ ንምዕዋት ካብ ወፃኢ ሃገራት ወለንታውያን መምህራን ናይ ምስታፍ ስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ – ፕሮፌሰር ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ኒብለት ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እናተገበሩ ዝርከቡ ለውጢታትን ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ትምሀርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪን ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፥ ፅሬት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽን መሰረት ንምንባርን ዝሕግዙ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተጀመሩ ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ ዘለዉ ሪፎርምታት ድማ መመሓየሺ ፕሮግራም ቋንቋ እንግሊዘኛ ብዝምልከት ካብ ወፃኢ ሃገራት ወለንታውያን መምህራን ብብዝሒ ንምምፃእ ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ተዛሪቦም።

ካብ ኣውስትራሊያ ካብ 1 ሺሕ ዘይንእሱ ወለንታውያን መምህራን እንግሊዘኛ ከምዝደልዩ እውን ነተን ኣምባሳደር ገሊፆምለን።

ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ኒብለት ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ከምዝንእዳ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment