መመሓየሺ ዓቕሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መንግስቲን ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ንምክትታል ዘኽእል መሕለፊ ነጥቢ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ዓቕሚ (Remedial Program) ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መንግስቲን ዝተፈላለዩ ኣማራፂታትን ንምክትታል ዘኽእል መሕለፊ ነጥቢ ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ÷ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ዘምፅኡዎ ነጥቢ ኣብ ግምት ብምእታውን ብተመሳሳሊ ኩነታትን ፈተና ዝተወሃበሉ ኩነታትን ካልኦት ጉዳያትን ኣብ ግምት ብምእታው ንሓደ ግዘ ጥራሕ ዘገልግል  መመሓየሺ ዓቕሚ (Remedial Program) ንኽትግበር ምውሳኑ ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣቲዮም Remedial ፕሮግራም ዝከታተሉ ተምሃሮ ትሑት መእተዊ ውፅኢት ምውሳን ኣድላዪ ስለዝኾነ÷ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ዘመዝገቡ ይኹ እመበር ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ መለክዒታት ዘማልኡ ተምሃሮ ተረባሕቲ Remedial ፕሮግራም ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

  1. ብኹሎም ኣማራፂታት (ኣብ ትካልት ውልቀን መንግስቲን) Remedial ፕሮግራም ንምክትታል÷ ተምሃሮ ከከም ዝተፈተኑሉ በዝሒ ዓይነት ትምህርቲ 30 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ማለት እውን (210 ካብ 700፣ 180 ካብ 600 ን 150 ካብ 500) ከምዝፅኡ ከምዘለዎም ተገሊፁ።
  2. ኣብ ታራ ቁፅሪ 1 ዝተገለፀ ክዘሎ ኮይኑ ኣብ ትካላት መንግስቲ (ወፃኢኦም ብመንግስቲ ተሸፊኑ) Remedial ፕሮግራም ዝከታተሉ ዝስዕብ መሕለፊ ነጥቢ ዘማልኡ ጥራሕ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment