መመሓየሺ ኣዋጅ ምርጫ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባር ምርጫን ኢትዮጵያ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መመሓየሺ ኣዋጅ ምርጫ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባር ምርጫን ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ።

ተፀዋዒ ሚኒስትር መንግስቲ እቲ ባይቶ ተስፋዬ በልጅጌ፥ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ስልጣን ንምሓዝ ዝደሊዩ ሓይሊታት ሕጋዊን ሰላማዊን ኣማራፅታት ንክኽተሉ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ሰላም ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዝተጀመረ ፃዕሪ ዝሕግዝ ኣድላዪ ዝኾነ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ብሓይሊን ኣፈሙዝን ፀገማት ንምፍታሕ ምፍታን ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ ብምባል፥ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንሰለማዊ ኣማራፅታት ብትግሃት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ባህሊ ፖለቲካ ንምምዕባል ማዕቐፋት ሕጊ ምምሕያሽን በዕጥቂ ቃልሲ ዝሳተፉ ጉጅለታት ናብ ሕጋዊ መገዲ ንክመፅኡ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ሓደ ጠመተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ በዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ናብ ዕጥቂ ቃልሲ ዝኣተዉ ጉጅለታት ሕጋዊን ሰላማዊን ቃልሲ ፖለቲካ ንክገብሩ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምንቅስቓስ ዕጥቂ ቃልሲ ንኢትዮጵያ ልዑል ዋጋ የኽፍላ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምጥንኻር ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስለዝኾነ እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ መመሓየሺ ኣዋጅ ምርጫ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባር ምርጫን ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምሒ ኣፅዲቑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment