መመሓየሺ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ንዕቤት ትካላት ፋይናንስ በሪ ከምዝኸፈተ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ብሄራዊ ባንኪ ብዝወሰዶ መመሓየሺ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ንዕቤት ትካላት ፋይናንስ በሪ ዝኸፈተ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ባንኪ ገሊፆም።

ዕዳጋ ዝመርሖ ስርዓት ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተግባራዊ ምግባሩ ካብ ባንኪታት ሓሊፉ ንዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር በሪ ዝኸፈተ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣብ ባንኪ ኣዋሽ ቺፍ ትራንስፎርሜሽን ኦፊሰር ተመስገን ቡሻ ተዛሪቦም።

ኣብ ባንኪ ኣምሓራ ቺፍ ኦፊሰር ስትራቴጂን ኢኖቬሽንን እንዳልሽ ወልደሚካኤል ብግደአን÷ ካብ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምብጋስ ገበያ መር የውጭ ምንዛሪ ተመን ሥርዓት መተግበሩ ለባንክ ኢንዱስትሪው ትልቅ ዕድል ነው ብለዋል።

ስርዓት ተመን ሸርፊ ወፃኢ ንዕዳጋ ክፍቲ ምግባሩ ካብ ዘፈር ባንኪ ተወዳዳራይነት ሓሊፉ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምብርትታዕ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

ኣብ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ መበገሲ ብምግባር ባንኪታት ተወዳዳራይነቶም ንኽቕፅል ዘኽእል ስራሕ ክሰርሑ ከምዘለዎም ዝሓበሩ ድማ ኣብ ባንኪ ኣሃዱ ቺፍ ስትራቲጂ ኦፊሰር ፍቅሩ ወልደትንሳኤ ኢዮም፡፡

ዕዳጋ ዝመርሖ ስርዓት ተመን ሸርፊ ወፃኢ ምዝርግሑ ጥዑይ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምፍጣር ኣብ ሞንጎ ስሩዕን ተመዓዳዳዊን ዕዳጋ ዘሎ ተመን  ሸርፊ ወፃኢ ንኽጠዓዓም ዘኽእል ከምዝኾነ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment