መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ክብ ዘብል ኢዩ- ኣይተ ኣህመድ ሽዴ

አዲስ አበባ፣ ነሐሴ 3፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ክብ ዘብል ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ ምእካብ ግብሪ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

መንግስቲ ዝእክቦ ዘሎ ግብሪ ምስ ሓፈሻዊ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ እንትነፃፀር ትሑት ከምዝኾነ እወን ገሊፆም።

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ክብ ዘብል ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ መመሓየሺ ንኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ቀዳምነት ከምዝህብ ብምግላፅ፥ ልቓሕ ብዝምልከት ብፍላይ መንግስቲ ቅድመ ሐዚ ብስፍሓት ዝወስዶ ዝነበረ ልቓሕ ብምትራፍ ዝሓሸ ፍሰት ልቓሕ ልዓውዲ ውልቀ ከምዝህሉ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ብግደአን፥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት እቶት ብሰለስተ ዕፅፊ ምዕባዩ ገሊፀን።

ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 513 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝተረኸበ እውን ገሊፀን።

ብምስክር ስናፍቅን ሰለሞን ይታየውን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment