መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሕቶ ለኣኽቲ ዝመለሰ ኢዩ – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሕቶ ለኣኽቲ ዝመለሰ ኢዩ  ክብሉ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ኣፈፃፅማ ሰደድ ንግዲ፣ ትልሚ ወፃኢ ንግዲ 2017 ዓ.ም ኢሉ ውን ረቂቕ መምርሒ ጥረ ምረን እኽሊታት ቅብኣትን ዝጠመተ ዘተ መስ ለኣኽቲ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)÷ ኣብ2016 ባጀት ዓመት ካብ ሓፈሻዊ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

በቲ ሚኒስቴር ክትትል ካብ ዝግበረሎም ፍሪያታት 907 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብሙሉእነት ተግባራዊ ዝኾነ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ፥ ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሕቶ ለኣኽቲ ዝመለሰ ኢዩ  ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment