መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ የዕቢ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ የዕቢ ከምዘሎ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

እቲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኣፍረይቲ ዓውዲታት ኣብ ክሊ ዘምፀኦ ዕድል፣ ብድሆን መፍትሒን ጠመተ ዝገበረ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ወልቀ ዓውዲን መንግስትን ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ረብሓታት ሒዙ ከምዝመፅአ ኣረዲኦም።

እቲ መመሓየሺ፥ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ተግባራዊ ይገብሮ ምስ ዘሎ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብኤፍሬም ምትኩ

Comments (0)
Add Comment