መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ምቹእ ኩነታት ዝፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ምቹእ ኩነታት ዝፈጠረ ኢዩ ክብል ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን  ሃና ኣርአያስላሴ፥ ዝተፈጠረ ምቹው መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ተመራፂን ንኢንቨስትመንት እትኸውን ሃገር ገይሩዋ ኢዩ ኢለን።

ትግበራ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ድማ ለምዓት ኢንቨስትመንት ልዑል ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ቀጥታ ኢንቨስትመንት እናወሰኸ እንተመፅአ እውን ኢንቨስተራት መኽሰቦም ብሸርፊ ወፃኢ ምውሳድ ዘይምኽኣሎም ነቲ ዓውዲ መሓንቕ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ገሊፀን።

ስለዝኾነ መንግስቲ ቀፃልነት ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ብምምዝጋብ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣቲዩ ኢዩ ኢለን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment