መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንኪታት ኢትዮጵያ ክቕፅል ዝገበረ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንኪታት ኢትዮጵያ ክቕፅል ዝገበረ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ኣትሒታ ምፅናሓ ንዘበናት ኣብ ፈተና ንኅትወድቕ ከምዝገበራ ተዛሪቦም፡፡

ንኣብነት ድማ ወፃኢ ንግዲ ክንድቲ ዝድለ ዝኣክል ሸርፊ ወፃኢ ምምፃእ ኣብዩዎ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ ፍርያታት ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንድ ክወፅኡ ከምዝገበረ ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ብመጠን ዘለዋ ዓቕሚ ካብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ተጠቃሚት ክትከውን ከምዘይከኣለት እውን ተዛሪቦም፡፡

ብካሊእ መዳይ ስርዓት ፀሊም ዕዳጋ ንኽስፋሕፋሕ ብምግባር ናህሪ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ፅዕንቶ ንኽፍጠር ምግባሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ብመንፅር እዚ እቲ መመሓየሺ ኣብ ኢኮኖሚ ዝተፀዓኑ ስብራታት ብምልዓል ዝሐሸ ምንቕቓሕ ከምዝፈጥር ሓቢሮም፡፡

ብፍላይ ህልውና ዓውዲ ፋይናንስ ክቕፅል ኣብ ምግባር ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዕድጊት ቦንድ ዘተኣኻኸቦ ገንዘብ ልቐሖም ክምልሱ ስለዘይከኣሉ ብዙሓት ፕሮጀክቶች ልምዓት ተበፃሒ እናገበረ ምፅንሑ ኣልዒሎም፡፡

እዚ ድማ እቲ ባንኪ በዓል ዕዳ ከምዝገብሮን ዕዳኡ ክምልስ እንተዘይክኢሉ ድማ ምፍራሱ ዘይተርፍ ከምዝነበረ ሓቢሮም፡፡

ምፍራስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ባንኪታት ዘለዎም እምነት ከምዘስእብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment