መሓዉር ፀፅታ ዓለም ንሕቶ ፍትሓዊነትን ሓቛፍነትን ምላሽ ክህብ ይግባእ- ፕሬዚዳንት መሓመድ ኦውልድ ጋዝዋኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መሓዉር ፀፅታ ዓለም ንሕቶ ፍትሓዊነትን ሓቛፍነትን ምላሽ ክህብ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያን ግዚያዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን መሓመድ ኦውልድ ጋዝዋኒ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ክካየድ ናይ ዝቐነየ  መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ መዛዘሚ መደረ ዝገበሩ እቶም ኣቦ መንበር፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ትምህርቲ፣ ሰላም፣ ፀፅታን ዘላቒ ልምዓትን ጠመተ ብምግባር ከምዝዘተየ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ድምፃ ንምስማዕ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መቐመጢ ከምዘድልያ ሓቢሮም።

መሓዉር ፀፅታ ዓለም ንሕቶ ፍትሓዊነትን ሓቛፍነትን ምላሽ ክህብ ይግባእ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment