መልካ ቁንጥሬ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ንኽምዝገብ ጉባኤ ዩኔስኮ ይፅበ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦታ ኣርኪዮሎጂ ዝኾነ መልካ ቁንጥሬ ኣብ ሓድጊ ዓለም ንምምዝጋብ ኣብ መበል 46 ጉባኤ ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ትካል ሳይንስን ባህሊን ትምህርቲን (ዩኔስኮ) ትፅቢት እናተገበረ ከምዝኾነ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

መልካ ቁንጥሬ ኣብ ዓለም ለኸ ሓድጊ ንምምዝጋብ ዘኽእሉ ተግባራት ከምዝተወገኑን ዓለም ለኸ መረጋገፂ ሰነድ ተሰናዲኡን ናብ ዩኔስኮ ከምዝተለኣኸ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡

ዩኔስኮ ግብረ-መልሲ ከምዝሃበን ገምጋሚ ጉጅለ እቲ ትካል እውን ኣብ መልካ ቁንጥሬ ተረኺቡ ናይ ሜዳ ምልከታ ከምዝገበረን ኣብቲ በዓል መዚ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ዓለም ለኸ ምስንዳእ ሓድጊ ተስፋዬ ኣራጌ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ትግራይ መልከኣ-ምድሪ መካነ-ቅዱሳን (ገራዓልታ፣ ኣብረሃ ወ ኣፅበሃ፣ ዳንኤል ቁርቁር፣ ውቅሮን ካልኦትን) ከምኡ እውን ባህላዊ መልክኣ ምድሪ የሓ ኣብ ዝርዝር ግዚያዊ ሓድጊ ዩኔስኮ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዓለም ለኸ መረጋገፂ ሰነድ ሓድጊ ክሰናደአሎም ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡

ገዳማት ደሴት ቃላይ ሃይቅ ዓለም ለኸ መረጋገፂ ሰነድ ሓድጊ እናተሰናደአሎም ከምዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም።

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment