መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን አብ ባንክታት ሕፅረት ጥረ ገንዘብ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኮይኑ ግና ካብ 22 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ብቢልዮናት ዝቑፀር ናይ ብር ኖት ናብ ክልልና ኣትዩ ናብ ኩለን ባንክታት ኣብ ምክፍፋል ይርከብ ።

ይኹን እምበር ዓማዊል ኣብ ባንኪ ዓቑይሮምዎ ዝነበሩ ገንዘብ ብናይ ባዕሎም ምኽንያትን ብዝንዛሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ወረን ገንዘብ ካብ ባንኪ የውፅኡ ኣለዉ ።

እዚ ተግባር ንቑጠባ ትግራይና ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕድሕድ ውልቀ ሰብ እውን ዝሃሲ እዩ።

ብምኻኑ ቆጣባይ ሕብረተሰብ ኣብ ባንኪ ዝዓቖሮ ብር ጠቕሊሉ ከውፅእ ዘገድድ ዝኾነ ምኽንያት ከም ዘየለ ተረዲኡ፥ ንስርሑን ዕለታዊ ናብርኡን ዘድልዮ ብር ጥራሕ ኣውፂኡ ብምጥቃም እቲ ዝተረፈ ግን ኣብ ባንኪ ብምዕቋር ማሕበረ ቁጠባ ትግራይና ተረጋጊዑ ንኽቕፅል እጃሙ ከወፊ ይግባእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment