መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ልምዲ ባሕር ዳር

ሎሚ ምንቅስቓስ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ባህርዳር ተዓዚበ። ተፈጥሮን ጥበብ ሰበን ተደሚሮም ንባህርዳር ብዝበለፀ ፅባቐኣ የድምቕዎ ኣለዉ። እታ ከተማ ማእኸል ንግዲን ቱሪዝምን ንምግባር ኣመራርሓ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ አንመሃረሎም ብዙሓት ነገራት ኣለዉ።

  1. ባህርዳብ ኣብ ውሽጢ ፈተና ናይ ምፅናዕ ኣብነት ኢያ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝነበረ ፈተና ይሓልፍ ኣሎ። ባህርዳር በቲ ፈተና ስርሓ ኣየቋረፀትን። የግዳስ ንፈተና ዝተወርወረ እምኒ ንህንፀት ተጠቒማ ኢያ።
  2. ናይ ጣና ምኽፋት መግለፂ መትከላት ምዝማድ (ኮኔክቲቪቲ) ኢዩ። ስራሕቲ ልምዓት ምምግጋብን ምዝማድን ከምዘለዎም ኮሪደር ባህርዳር ኣብነት ኢዩ። ንብዙሕ ዘበናት ምስታ ከተማ ተፈላለዩ ዝነበረ ጣና ኣስታት ሸሞንተ ዝኾኑ ቦታታት ምስ ኮሪደር ተረኺቦም ኢዮም። እዚ ድማ ካብ ምህዳስ ብተወሳኺ እታ ከተማ ፅሩይ ከባቢ ኣየር ክህልዋ ገይሩ ኢዩ።
  3. ኣብ ነባር ክብሪታት ሓዱሽ እታዎት ምውሳኽ። ብመገዲ ምድማር ምዕባለ ንምርግጋፅ ኣብ ነባር ክብሪታት ሓደሽቲ እታዎታት ወሲኽና ክንሃንፅ ኣለና። ባህርዳር ቃላይ ጣናን ወሓዚ ሩባ ኣባይን ዝርከቡላ ኢያ።  ልዕሊ ፍርቂ ምእተ ኣመት ዘቑፀሩ ኣቑፅልቲ ዘንባባ ኣለውዋ። እቲ ለምዓት ኮሪደር ድማ ተወሳኺ ፅባቐ ሂቡዋ ኣሎ።
  4. ናይቲ ከባቢ ትካላት ምህዞ እንወሰኹ ልምዓት ንከሳልጡ ምግባር፤ ኣብ ኮሪደር ባህርዳር ዝተነፀፉ ምንፃፋትን ደው ዝበሉ መብራህቲታትን ኣብቲ ከባቢ ብዘለዋ ትካላትን ሰብ ሞያን ዝተሰናድኡ ኢዮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ከባቢያዊ ክእለታትን ዓቕሚን ምጥቃም ብዝበለፀ ክልመድ ኣለዎ።
  5. ንባህርዳር መብፅሒት ስፖርት፣ ቅርስን ቱሪዝምን ምግባር፥ ኣብ ከባቢ ጣና ንዘለዉ ታሪካዊ ስፍራታት፣ ምስ ጣናን ኣባይን ተዛሚዶም ዝተሰርሑ ወደባትን መናፈሻታትን፤ ዓነል መኸ ስታዲየም ባህርዳር፣ ዘበናዊ ድልድል ኣባይን ካልኦት ልምዓታትን ንባህርዳር ማእኸል ንግዲን ቱሪዝምን ይገብርዋ ኣለዉ።
  6. ኣብነትነት ኣመራርሓ፥ ኣመራርሓ ሰሪሑ ዘስርሕ፣ ቀዲሙ ዘስዕብ ክኸውን ኣለዉ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ናይ ባዕሎም ከባቢ ቤት ፅሕፈት ኣመዓራርዮም ኮሪደር ብምስራሕ ኣብነት ምዃኖም ትምህርቲ ዝኸውን ኢዩ።

ባህርዳር ካብዚ ንላዕሊ ምስራሕ እትኽእል ኢያ። እዚ ፈላማይ እንበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። ፅርየት ባህሊ ምግባር፣ ዝተሰርሑ ከባቢታት ምዝዛም፣ ትካላት ከባቢአን ንክቕይራ ምግባር፤ ንግዲ፣ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ምትብባዕ፣ ካብ ህዝብን ኣመራርሓ ትፅቢት ይግበር።

Comments (0)
Add Comment