መላእ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ግብኣተ መሬት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክንዘሳዝም ኣለና-ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ መላእ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ግብኣተ መሬት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክንዘሳዝም ኣለና ክብላ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ከምዝበልኡ፥ ሎሚ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ነዝተመዛበሉ ወገናት ብሽም ምምሕዳር እታ ከተማ 20 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ናውቲታት ኣብ ከተማ ባሀርዳር በምርካብ ኣረኪብና ኢለን።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞ መሪር ግፍዕን በደለን ታሪክ ዘይርስዖ ኣብ ልዕሊ መላእ ኢትዮጵያውያን ዝበፅሐ ኣሰቃቒ ተግባር ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

እቲ ታሪካዊ ፀላኢ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ከንቱ ትምኒት ኣፈፃሚ ዝኾነ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት መላእ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ተረባሪብና ኣብ ዝሓፀረ ጊዘ ምቕባር ኣለና ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment