መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ ፍቼ ጫምበላላ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ ፍቼ ጫምበላላ ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ብኣቆፃፅራ ኣያንቱታት ሲዳማ ሓዱሽ ዓመት ዝብሰረሉ በዓል እንትኸውን÷ ሎሚ ዕለት ድማ ምፍናው ዝኣረገ ዓመት ዝግበረላ ዕለት ኢያ፡፡

ኣኽበርቲ እቲ በዓል ቡርሳሜ ዝተብሃለ ባህላዊ ምስ ተመገቡ ”ፍቼ ጄጂ” ብምባል ይምርቑ።

ትርጉሙ ድማ “ሰናይ ይግጠመና” ማለት ኢዩ፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ ምሸት ዝተፃልአ ዝዕረቐሉ፣ ዝተፈላለዩ ሰብኣይን ሰበይቲን ተመሊሶም ዝራኸቡሉን ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ዝጅምሩሉ ዕለት ኢዩ፡፡

ብጥላሁን ይልማ፣ ብርሃኑ በጋሻውን ተመስገን ቡልቡሎን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

Comments (0)
Add Comment