ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወርልድ ቪዥን ኢንተርናሽናል ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝሕግዝ ናይ ሰለስተ ዓመት ፕሮጀክት ዕላዊ ገይሩ።

“ጥሜት ህፃናትን ሕፅረት ዘይተመጣጠነ ምግቢን ይኾኖ” ብዝብል መምርሒ ኣብ ኣፍሪካ 27 ሃገራት ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት፤ ብቐንዱ ኣብ ህፃናት ትኹረት ከምዝገብር ተገሊፁ።

ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ኣብ ዝኾኑ ምኽንያታት ናብ 342 ሚሊየን ዝፅጋዕ ህዝቢ እታ ኣህጉር ውሕስና ምግቡ ንምርግጋፅ ከምዘይተኽኣለ ተገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ዝተመጣጠነ ቀረብ ምግቢ ካብ ዘይረኽቡ 278 ሚሊየን ዜጋታት 55 ሚሊየን ዝኾኑ ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ንትግበራ እቲ ፕሮጀክት ድማ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተመደበ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment