ሕፅረት ሰብ ስራሕ መትፈሲ መሳርሒን ኦክስጅንን እናጋጠመ ስለዝኾነ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ምጥንቃቕ የድሊ – ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ብለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሓዝ መጠን፣ ህይወቶም ዝስእኑን ግልጋሎት ፅኑዕ ሕክምና ዝደልዩ ተሓከምቲን ሰባት ቁፅሪ ብዘደንግፅ ኩነታት እናወሰኸ ከምዝርከብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ትማሊ 30 ሰባት ሰባት በቲ ሕማም ህይወቶም ከምዝሓለፉ ዝገለፀ እቲ ኢንስቲትዩት፥ እዚ ቁፅሪ ድማ ቫይረስኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዘኣቱ ኣትሒዙ ልዑል ቁፅሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ ኢሉ።

ካብ 3ን 4ን መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ 57 ሸውዓተን ሰባት ብኮቪድ 19 ህይወቶም ዝሓለፉ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ 2 ሺሕን 540 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 74 ሚኢታዊ ዝኾኑ ካብ ማእኸላት ሕክምና እንትኾኑ፥ 24 ሚኢታዊ ካብ ኣስከሬን ብዝተወሰደ ናሙና ዝተረኸቦም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ 1 ሚኢታዊ ዝኸውን ብፅሒት ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበር ውሸባን ክንክንን ግቡእ ሕክምናን ምኽሪ በዓል ሞያን ብዘይምትግባር ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሪ ኢዩ።

ክሳብ ሕዚ ልዑል ቁፅሪ ሞት ዘመዝገባ ክልላ:-

ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ብርኪ እንትሕዝ 1 ሺሕን 852 ሰባት ወይ ድማ 73 ሚኢታዊ

ክልል ኦሮሚያ 256 ሰባት ወይ ድማ 10 ሚኢታዊ

ክልል ኣምሓራ 105 ሰባት ወይ ድማ 4 ሚኢታዊ

ክልል ሲዳማ 75 ሰባት ወይ ድማ 3 ሚኢታዊ ህይወቶም ስኢኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment